ባህርዳር —
ናጻ ካብ ዘይወጹ ከባቢታት ናብ ዋግህምራን ሰቆጣን ዝኣትው ተፈናቀልቲ፣ ብዝሖም ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይውስኽ ከምዘሎ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ዋግህምራ ኣፍሊጡ።
ዛጊት 70 ሽሕ ተፈናቀልቲ ከምዘለው ዝገለጸ ኣቶ ከፍያለው ደበሽ፣ መዓልታዊ ኣስታት 200 ሰባት ናብ’ታ ከተማ ይኣትው ኣለው ኢሎም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣስታት 11.6 ሚልዮን ህዝቢ፣ ተጸባዪ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ፣ ክልላዊ መንግስቲ ከምዝሓበረ ዝዝከር እዩ።