ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ምኽፋት ናብ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዝወስዱ መንገድታት ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ኣፍሊጣ


ንመስርሕ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ስዒቡ ናብ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ዝወስዱ መንገዲታት ምኽፋት ቐዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሺሃድ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ድሕሪ’ቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ውጥረት ክልቲኣን ሃገራት ሶኑይ ሓምለ 9,2018 ኣብ ኣስመራ ብዝተፈረመ አዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ምብቕዑ ድሕሪ ምግላጹ ክልቲኣን ሃገራት ኤምባሲታተን ክኽፈቱ፡ ምንቅስቃስ ሰባት፡ ምኽፋት ወደባትን በረራ ከምዝጅመር ምግላጸን ይፍለጥ።

እዚ ታሪኻዊ ዝተባህለ ፍጻሜ ነቲ ተአፋፊ ዝኾነ ፖለቲካንን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝልውጥ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሺሃድ ብረቡዕ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምኽፋት ናብ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ዝወስዱ ክልተ መንገድታት ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወንታዊ ጥቕሚ ዝህብ’ዩ ኢሎም።

“እዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ንህዝብታት ክልቲኦም ሃገራት ጥራይ ዘይኾነ ንመላእ’ቲ ዞባ ዝጠቕም’ዩ” ክብሉ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ዑደት ምሕባሮም መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ገሊጹ’ሎ።

ሰብ ሞያ ብወገኖም ምኽፋት ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ኢትዮጵያ ፍርያታ ንወጻኢ ንምልኣኽን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክትረኽብ ከምዝሕግዛ ይገልጹ።

ኣስታት 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብ ወደባት ጅቡቲ ክትውከል ዝጸንሓት ኮይና ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ አሕመድ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ግን ንወደባት ሱዳን ክጥቐሙ ኣብ ስምምዕ ከምተበጽሓ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG