ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ቀጺሉ'ሎ


ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ ይውስኽ ምህላዉ በበይኖም ኣካላት የመልክቱ ኣለዉ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዘመልከቶ፡ ሰንበት፡ 14 ናይ ጽዕነት መካይን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንትግራይ ምእታወን ኣመልኪቱ። እተን መካይን ነዳዲን ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ መግቢን ሒዘን ምንባረን ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ መድሃኒትን ካልእ ኣገዳሲ መሳርሒታትን ዝሓዛ መካይን ሎሚ ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ብናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ። ከም ሓበሬታ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ሓገዝ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ናይ ነሓሰ ናይ ፈለማ ጕዕዞ ምዃኑ’ዩ።

ብተመሳሳሊ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ተወሳኺ መድሃኒትን ኣገዳሲ ቀረባትን ዝሓዛ መካይን ትማሊ ሰንበት ትግራይ ምእታወን ብናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ቀረባት መድሃኒትን መግቢን ናብ ትግራይ ምእታው ይቐጽል ደኣ’ምበር፡ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ሕጽረት ሰፊሕ ጋግ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG