ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ዝነበረ ተጓዓዝቲ ናብታ ከተማ ከይንኣቱ ተኸልኪልና ክብሉ ጥርዓን ኣቕሪቦም


ኣዲስ ኣበባ- ፋይል
ኣዲስ ኣበባ- ፋይል

ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ናብታ ከተማ ከይንኣቱ ተኸልኪልና ክብሉ ጥርዓን ኣቅሪቦም።

ንሬድዮ ድምፂ ኣመሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ’ቶም ተጓዓዝቲ "ንኽልል ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ዘራኽብ ከባቢ ጎሃ ፅዮን ክንበፅሕ ከለና ክዳን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮምያ ዝተኸደኑ ዕጡቓት ክንምለስ ጌሮምና" ኢሎም’ለዉ።

እቶም ተጓዓዝቲ ወሲኾም ለካቲት 2ን 3ን 2015 መንነት ወረቀት ክልል ኣምሓራ ንዝሓዙ ጥራይ ፈልዮም ይምለሱ ከምዝነበሩን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንነጀው ግን ንኹሎም ተጉዓዝቲ ከምዝኸልከሉ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሰዓት’ውን ሓያለ ተጉዓዝቲ ይከላበቱ’ለዉ ክብሉ ሓቢሮም።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ካብ ፌደራል መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኮሎኔል አበበ ገረሱ ግን ዝተዓፅወ መንገዲ የለን ኢሎም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG