ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኣውሮጳ ዘምርሑ ዝነበሩ ኣስታት 70 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ምሟቶም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ካብ ሊብያ ተበጊሳ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ተቛርጽ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ብምጥሓላ ኣስታት 70 ስደተኛታት ክሞቱ ከለው 16 ብህይወት ምድሓኖም ሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቱኒዝያን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዜና ቱኒዝያን ሓቢሮም።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብዚ’ዚ ዓመት’ዚ ዘጋጠመ ዝበዝሓ ስደተኛታት ዝሞትሉ ፍጻመ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ሳፌክስ ቱኒዝያ ምስ በጽሓት ናይ ርድኡና መልእኽቲ ከምዝሰደደት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጨንፈር ቱኒዝያ ሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ መሓውራት ዜና ቱኒዝያ ካብ 60—70 ኣብታ ጀልባ ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት ምጥሓሎም ብምግላጽ 16 ካል ት ግን ከምዝደሓኑ ገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG