ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ 'መዓልቲ ምስጋና' ምስ ባህልን ህይወትን ኣሜሪካ ይላለዩ


ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ መጨረሽታ ሓሙስ ወርሒ ሕዳር፡ ኣሜሪካውያን `መዓልቲ ምስጋና` ከኽብሩ ዕረፍቲ ይውዕሉ። ኣብ`ዚ ዕለት`ዚ`ውን ስደተኛታት ምስ ባህልን መግብን ኣሜሪካ ናይ ምልላይ ዕድል ይረኽቡ። እዚ ኣብ 1621 ዓ.ም ከም ዝጀመረ ዝንገረሉ በዓል፡ ካብ ኣውሮጳ ዝመጹ ሰፋሮ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ማሳቹሰትስ ምስ ኣተዉ፡ ንዝርኣይዎ ሓፊስ ምህርቲ ቀውዒ ንምምስጋን ብዘኽበርዎ ፈስታ ከምዝተጀመረ ታሪኽ የዘንቱ።

እዚ ኣከባብራ`ዚ፡ ነቲ ዝነበረ በሰላ ኩናት-ሕድሕድ ንምሕዋይ ብዝብል እምነት ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ኣብርሃም ሊንከን ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ክኽበር ተኣዊጁ።

መዓልቲ ምስጋና፡ ናብ ኣሜሪካ በብግዚኡ ንዝኣትዉ ሰደተኛታት`ውን ምስ ባህልን ልምድን`ዛ ሃገር ናይ ምልላይ ዕድል ይፈጥረሎም።

ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ መዓልቲ`ዚ ኣመልኪቱ ዘዳለዎ ጸብጻባት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG