ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ አዲስ አበባ ዝኸዱ ልኡኻት ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክኣትው’ዮም ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ


ንልዝብ ናብ አዲስ አበባ ዝኸዱ ልኡኻት ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክኣትው’ዮም ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንመጸዋዕታ ሰላም ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ብዝምልከት ልኡኻት ከምዝልእኹ ድሕሪ ምግላጾም’ዩ።

ልኡኻት ኤርትራ ኣብዚ’ዚ ሰሙን’ዚ አዲስ አበባ ከምዝአተው ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ’ላ። ዕላማ’ቲ ጉጅለ ልኡኻት ኤርትራ ነቲ ኣብታ ኣህጉር’ቲ ዝነውሓ እዋን ዝጸንሓ ምኳኑ ዝንገረሉ ግጭት ክልቲኣን ሃገራት ናብ መወዳእታ ንምዕላብ ልዝብ ንምክያድ’ዩ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ እቶም ልኡኻን ኣብዚ ሰሙን’ዚ አዲስ አበባ ክኣትው ትጽቢት ይግበር ምህላው ሎሚ ዝገለጹ እንተኾነ ካልእ ተወኺ ሓበሬታ ግን ኣይሃቡን።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ዝኾኑ አቶ ፍጹም አረጋ ብዛዕባ’ዚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ዛጊት እቶም ል ኡኻት ከምዘይኣተው’የ ዝፈልጥ። መዓስ ከምዝመጹ ብርግጽ ምዝራብ የጸገም’ዩ። ግን ኣብ ዝሓለፈ ከምዝተገልጸ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ከምዝኸውን’ዩ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG