ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ተኸታሊ እምነት እስልምና ዝተቐየረ ኣሜሪካዊ ብዛዕባ ናይ መጀመርያ ጾመ ረመዳን ተመክርኡ ይዛረብ


ጀረሚ ራንደል ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ ዝመጸት በዓልቲ ቤቱ ቅድሚ ምምርዓው ሓደ ወርሒ ካብ ተኸታሊ እምነት ክርስትና ናብ ተኸታሊ እመነት እስልምና ቐይሩ።እምነቱ ክቕይር ከሎ ከጋጥሞ ዝኽእል ሓድሽ ብድሆ ከምዘሎ ኮይኑ እዞም ሓደሽቲ መርዑት ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ፈላማይ ናይ ረመዳን ፆም ብሓባር ጀሚሮም።

እዞም ሓደሽቲ መርዑት ኣብ ሜሪላን ከባቢ ዲሲ ዝነብሩ ኮይኖም ጀረሚ ከም ተኸታሊ እምነት እስልምና ናይ መጀመሪያ ረመዳን እዩ።

“ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ እምነት እስልምና ሃይማኖተይ ቀይረ፤ነዊሕ ከይዲ ነይሩ።ክርስቲያን ኮይነ ስለዝዓበኹ ብዛዕባ እቲ ሃይማኖት ክምሃር ነይሩኒ።ሕርይቲ መምህረይ ድማ በዓልቲ ቤተይ ከምኡ እውን ስድርኣ እዮም።”

በዓልቲ ቤቱ ኣሪያም መሓመድ ቀሊል ኣይኮነን ንዝበለቶ ውሳነ በዓል ቤታ ኣድናቖታ ትገልፅ።ጀረሚ እውን ምቕያር ሃይማኖቱ ንወለዱ ንምንጋር ከቢድ ፈተና እንተነበረ እውን ነቲ ዜና ብፅቡቕ ከምዝተቐበሉዎ ይገልፅ።ስድርኡ ንኣርያም ስለ ዝፈትውዋ እዩ ይብል።

እቲ ስነስርዓት ምቕያር 17 መጋቢት 2018 ኣብ ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ኣመንቲ እስልምና ማሕበረሰብ ተፈፂሙ።ኣርያም ብዛዕባ እቲ ፈተና ከምዚ ትብል።

“ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ንክቕይር ምሕታት ንዓይ ዓብዪ ነገር እዩ።ናብ ስድርኡ ክበፅሕ ከሎ ኸኣ ኣፍሪሑኒ ነይሩ።ግን ኣዚዮም ደገፍቲ እዮም ነይሮም።”

ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤት ጀረሚ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብካንሰር ሞይታ።

ንሓደ ወርሒ ምፃም ዝብል ብዙሕ ዘይሓሰበሉ ጉዳይ ነይሩ ክኸውን ይእኽል።እቲ ፆም ይዛዘም ኣብዘለሉ እዋን ግን ንኽልቲኦም ቀሊል ከምዝነበረ ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG