ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ናብ ምሉእ ኲናት ዝለሓመ ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ተፈንዩና” ኣይተ ጌታቸው ረዳ


ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ - ፋይል
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ - ፋይል

ሎሚ ሰሉስ ብዝተፈላለየ ግንባራት ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈነዎምን ናብ ምሉእ ኲናት ዘምርሐ ግጭት ምውላዑን ንወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣይተ ጌታቸው ነቲ መግለጺ ብመገዲ ናይ ትዊተር ገጹ ኣቢሉ ዝዘርግሖ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።

እቲ ወሃብ-ቃል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ ብወገን ኤርትራ ነቲ ኲናት ሰራዊት ሚሊሻ ፋኖን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን’ውን ከም ዝተጸንበሩዎ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፣ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለነል ጌትነት ኣዳነ፣ ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰልጠ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ካናዳ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ፡ ንዕቑር ሰራዊት ተኽትት ኣላ" ክብል ንዝሃቦ መጠንቀቕታ ጕዕዞ፡ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ብግዲኡ "ዝተወሰኑ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ከም ዝተጸውዑን ንምሉእ ህዝቢ ከዕጥቑ ግን ጻውዒት ከም ዘይቀረበ" ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጠቒሱ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ኣዕሪፉ’ዩ ጸኒሑ። 24 ነሓሰ ዝተወልዐ ዳግመ-ኲናት ግን ህይወት ኣሽሓት ክወስድን ከመዛብልን ከም ዝኽእል ተዓዘብቲ ስግኣቶም ይገልጹ።

ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን። ኣብ ቀጻሊ ግን ምስ ምዕባለታት ዝኸይድ ሓበሬታ ክንህብ ምዃንና ንሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ሰራዊት ኤርትራ ንዶብ ኢትዮጵያ ምስጋሩ ብወገን መንግስቲ ኣመሪካ ከም ዘረጋግጹ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። እቲ ንዘተ-ሰላም ንምስላጥ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ኢትዮጵያ ርክብ ከካይድ ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ፡ “ኵላቶም ናይ ደገ ሓይልታት መሬታዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ነቲ ኲናት ዘጓሃሃር ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ክቝጠቡን” ኣዘኻኺሩ። ነቲ ብወገን ኤርትራ ዝተራእየ ምስጋር ዶባት መንግስቶም ብትሪ ከም ዝዅንኖ’ውን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ሮይተርስ ግብረ-መልሲ ኤርትራ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG