ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዝጉዓዙ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝካየድዎ ሓደገኛ ጉዕዞ


ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዝጉዓዙ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝካየድዎ ሓደገኛ ጉዕዞ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:51 0:00

ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዝጉዓዙ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝካየድዎ ሓደገኛ ጉዕዞ

ኣብ ከውታ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ጅቡቲ ክጉዓዙ ዝረአዩ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዝጉዓዙ ስደተኛታት እዮም።

ወዲ 35 ዓመት ኢትዮጵያዊያ ዒሳ ሓደ ካብዞም ስደተኛታት ኾይኑ ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ይጉዓዝ ምህላው ይገልጽ።

እቲ ጉዕዞ ኣጸጋሚ’ዩ። ካብ ባህርያዊ ኩነታት ዘዕቑብሉ መጸለሊ’ውን የብሎምን።ካብ ኢትዮጵያዊን ሶማልን ተበጊሶም ለይትን ቐትሪን ንመዓልታት ተጓዒዞም ጅቡቲ ይበጽሑ። ካብኡ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ባሕሪ ብምቁራጽ ይጉዓዙ።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት ናብቲ ክበጽሕዎ ዝመደቡ ሃገር ንምብጻሕ ብመንገዲ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ይጉዓዙ ካልኦት ከም ዒሳ ዝዓመሰሉ ኸአ ዕድሎም ንምፍታን ብእግሮም ይጉዓዙ።

ኣብቲ እዞም ስደተኛታት ዝጉዓዝሎም መንገዲታት እኩብ ኣእማን ዝተቐመጠሎም ገለ መቓብር’ውን ይረአዩ። እዞም መቓብር ናይቶም ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ገማምግ ባሕሪ ከብጽሑ ዝፈተኑ ግን ዘይተዓወቱ ስደተኛታት ምዃኖም ይሕበር።

ባሕሪ ኣቋሪጾም ስዑዲ ንምብጻሕ ነታ ብኹናት ትሕመስ ዘላ የመን ክሓልፉ ኣለዎ ኣብዚ ድማ መብዛሕትኦም ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ይ ኹናት ጎይቶትን ይኾኑ።

ይኹን ደአ እምበር ቁጽሪ በዚ መንገዲ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ግን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ይውስኽ፡ ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዓመተ 2018 ጥራይ 150,000 ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ የመን በጺሖም እዚ ምስ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓመት ክወዳደር ከሎ እቲ ቁጽሪ ብ50 ሚእታዊትይውስኽ። ኣብ ዓመተ 2019 እውን እቲ ቁጽሪ ተመሳሳሊ’ዩ።

ሕልሚ እዞም ስደተኛታት ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕን ኣብ ሃገሮም ካብ ዝነብርሉ ዝነብረ ድኽነት ዝሓሸ ናብራ ንምምራሕ’ዩ።ብኣንጻር’ዚ ዋላ’ኳ ብሰላም ናብ ዝመደብዎ ቦታ እንተበጽሑ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ኣየፍቕድን ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 9,000 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ተጠሪዞም’ዮም።

ዒሳ ሓደ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተጠረዙን ነዚ ጉዕዞ ንሳልሳይ ጊዜ ዝፍትን ዘሎ ስደተኛታት’ዩ።ካልእ ዓብደልዓዚዝ ዝተባህለ ድማ ነዚ ጉዕዞ ንሓሙሻይ ጊዜ የካይድ ምህላው ይገልጽ።

ዒሳ ኣብ ስዑዲ ከም ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ እንዳሰርሓ ኣብ ወርሒ $530 ይረኽብ ኣብ ሃገሩ ግን ሕርሻ ጥራይ እቲ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑን እዚ ድማ ንበዓልቲ ቤቱን ትሸዓተ ደቁን ንምምሕዳር እኹል ከምዘይኾነ ይገልጽ።

መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ክጸንሑ ይገዱዱ ናብ ስዑዲ ዓረብ መሳገሪ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ድማ ኣብ ትሑት አታዊ ዘለዎም ስርሓት ክዋፈሩ ይግደዱ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምንዝርና ክዋፈራ ይግደዳ።

ዒሳ ድሕሪ 39 መዓልታት ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ስዑዲ በጺሑ ኣብ ሓደ ሕርሻ ስራሕ ተቖጺሩ’ሎ። ኣብዚ ንምብጻሕ ብዙሕ ሓደገኛን ኣጸጋሚን ጉዕዞ ሓሊፉ’ዩ እንተኾነ ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ንምርካብ ነዚ ጉዕዞ ይፍጽሙ።

XS
SM
MD
LG