ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ናብ ሃገረይ ክምለስ ኣይደልይን' ካብ ክልል ትግራይ ናብ ሱዳን ዝሃደመ ስደተኛ


ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዙሓት ንስደትን ሞትን ምቕልዑ ይቅፅል ኣሎ ። ኣብ ሓደ ንእሽተይ ክሊኒክ ዝሰርሕ ንርእሱ 'ውን በቲ ኲናት ተሰዲዱ ሱዳን ዝኣተወ ዶክተር ውፅዒት ናይቲ ኲናት ብፋስ ዝተፈግኡን ብካራ ዝተወግኡን ቁሱላት ሰባት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዝሃቦም፤ ካብ ሓደጋ ንምምላጥ ድማ መዓልታት ብዝወሰደ ጉዕዞ ኣዕጋሮም ዝቆሰሉ ሰባት ከምዝተዓዘበን ይዛረብ ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝመፀ 54 ዓመት ዝዕድሚኡ ሃናፂ ጉዑሽ ተስላ እቲ ዝተሰብረ እግሩ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቡ ኣሎ ። ሓደሽቲ ምዕባለታት ፍፃመ ዜና ድማ የዘንትው ።

250 ዝኾኑ መናእሰይ ዓዲ ኣሰር ካብ ዝተባህለት ንእሽተይ መንደር ብሓይልታት ኤርትራ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣበይ ከምዝኣተዉ ኣይፍለጥን ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር'ውን ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ከተማ ራውያን ሬሳ ሰባት ብኣኽላባት ክብላዕ ከምዝረኣየ ይዛረብ ። ብድሕሪ'ዚ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቀጥቂጡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ዶብ ሑመራ ወሲዶም ደርብዮሚኒ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG