ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናሳ: ዝወንጨፎ ሮኬት ንገለ ኣስትሮይድ ኣብ ህዋ ብዕዉት ምውቅዑ ገሊጹ


ሃገራዊ ትካል ምርምር ኣመሪካ (ናሳ) ብዝወንጨፋ ሮኬት ንገለ ካብቶም ኣስትሮይድ ዝብሃሉ ኣብ ህዋ ዘለዉ ዝንቀሳቐሱ ነገራት ብዕዉት ምውቅዑ ታሕጓሱ ይገልጽ ኣሎ።

ናሳ ኣብቲ ንዓለም ንምድሓን ዝብል ፈተንኡ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝገበሮ ምውንጫፍ ሮኬት ሚልዮናት ማይላት ርሒቖም ንዝርከቡ ኣስትሮይድ ወቒዕዎም ኣሎ። እዞም ትማሊ ብ'ዳርት' ዝተባህለት ሮኬት ዝተሃርሙ ኣስትሮይድ ናእሽቱን ዘይጓድኡን እንተነበሩ`ኳ፡ ዕላማ'ቲ ፈተነ ምስ መሬት ክራጸሙ ዝኽእሉ ገዘፍቲ ኣስትሮይድ ሃሪሙ ንምውዳቕ`ዩ።

ናሳ ዝሓለፈ መስከረም 26፣ ንሓደ ናብ መሬት ገጹ ዝጉዓዝ ዝነበረ ኣስትሮይድ ወቒዑ ምንባሩ'ውን ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ ናሳ ኣብቲ ናይ ትማሊን ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ፈተነን ፍንጭልጫልን ደሮናን ክብተን ይርኣይ ኔሩ።

ኣመሓዳሪ ናሳ ቢል ነልሰን፡ ድሕሪ`ቲ ናይ ትማሊ ዕዉት ውቅዒት ኣስትሮይድ ከምዚ ኢሉ "እዚ እዋን`ዚ ኣብ ምክልኻል ፕላነትና ኮነ ንድሕነት ሰብኣዊ ወለዶታት መቕይሮ-ነጥቢ`ዩ። ነዚ ኢና ድማ 'ዳርት' ኣህጉራዊ ሓርኮትኮታዊ ጻዕሪ`ያ ንብል ዘለና” ኢሉ።

እቶም ኣስትሮይድ ዝብሃሉ ነገራት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ምዛሮም ቀጺሎም ኣለዉ፡ ዛጊት ንዓለም ስግኣት እንተዘይፈጠሩ`ኳ፡ ምናልባት ምስ መሬት እንተ ተራጺሞም ግን ግዙፍ ጥፍኣት ከየውርዱ`ዩ ቅድመ-መጠንቀቕታታት ዝውሰድ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG