ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናሳ ናብ ወርሒ ዝወንጨፍ ሮኬት ዝምልከት ሓድሽ ውጥን የቕርብ


ናሳ ናብ ወርሒ ዝወንጨፍ ሮኬት ዝምልከት ሓድሽ ውጥን የቕርብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:55 0:00

ናሳ ናብ ወርሒ ዝወንጨፍ ሮኬት ዝምልከት ሓድሽ ውጥን የቕርብ

ትካል ሃገራዊ ምርምር ጠፈር ኣመሪካ ናሳ ‘ኣርተሚስ 1' ብምባል ዝጽዋዕ ናብ ወርሒ ዝካየድ ምውንጫፍ ሮኬት ናብ መስከረም 27 ከምዘመሓላለፎ ገሊጹ። እዚ ምስ ዘይከውን ድማ እቲ ምውንጫፍ ሮኬት ንጥቕምቲ 2 ክካየድ መደብ ተታሒዙ’ሎ።

እቲ ትካል እዚ ሓድሽ ውጥን ነቲ ዘድልይ ምድላዋት ንምክያድ: ሎጀስቲካዊ ምምሕያሽ: ዘድልይ ፈተነታት ምክያድ ከምኡ’ውን ንኣቕርቦት ነዳዲ’ቲ ሮኬት ዝምልከት ዳግማይ ትዕዝብቲ ምክያድ ከምዘኽእል ይሕብሩ።

ናሳ ነዚ ሓድሽ ሮኬት ኣብ መስከረም 3 ናብ ወርሒ ንምውንጫፍ ፈቲኑ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ምብጋስ’ቲ ሮኬት ዝተራእየ ምልሓኽ ሃይድሮጂን ጋዝ ንምውጫፍ’ቲ ሮኬት ንካልእ ጊዜ ክመሓለለፍ ኣገዲዱ እዩ።

ብመሰረት ዘሎ ውጥን እቲ ሮኬት መስከረም 27 ናብ ወርሒ እንተተወንጪፉ ሕዳር 5 ናብ መሬት ክምለስ ጥቅምቲ 2 ተተወንጪፉ ድማ ሕዳር 11 ናብ መሬት ክምለስ’ዩ።

XS
SM
MD
LG