ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናሚብያ፤ ገዛኢ ሰልፊ ደቀንስትዮ መራሕቲ የቐድም


ንነቱምቦ ናንዲ-ንዳይትዋ
ንነቱምቦ ናንዲ-ንዳይትዋ

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ስዋፖ (Swapo) ናሚብያ፡ ድሕሪ ምብቃዕ ስልጣን ፕረዚደንት እታ ሃገር ንጓል ኣንስተይቲ መራሒት ከም ዘቐድም ኣመልኪቱ። ነቱምቦ ናንዲ-ንዳይትዋ’ያ ነቲ መዝነት ተሓጽያ ዘላ።

ሰልፊ ስዋፖ ኣብቲ ዘካየዶ ነዊሕ ጉባኤ፡ ብሰኑይ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ንነቱምቦ ናንዲ-ንዳይትዋ ምኽትል ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ክትከውን መሪጹዋ። እታ ሓዳስ ምርጽቲ ኣቐዲማ ምኽትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝጸንሐት’ያ።

ብመሰረት ቅዋም እቲ ሰልፊ ድማ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሃገ ገይንግቦ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ስልጣኑ ምስ ወድአ፡ ቀጥታዊት ተተካኢት ክትከውን’ያ። ፕረዚደንት ገይንግቦ ስልጣኑ ኣብ 2024 ክውድእ’ዩ።

ንዳይትዋ ነቶም መወዳድርታ ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ብቐሊል’ያ ኣብ ቀዳማይ ዙር ስዒራቶም። ሓደ ካብቶም ሕጹያት ድማ ናይ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዘሎ’ዩ።

ንዳይትዋ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበረቶ ክትመርሕ ምሉእ ምድላዋት ገይራ ኣላ፤“እቲ ክብሎ ዝደለኹ፡ ኣብ ህይወት ቀሊል ዝብሃል ግዜ ከም ዘየሎ’ዩ። ኵሉ ግዜ ብድሆታትን ማሕለኻታትን ኣሎ። ንዝገጥሞም ብድሆ ክሰግሩ ድሉዋት ዝዀኑ ሰባት ከኣ ወትሩ ኣለዉ። ኣነ ሕጂ ሓንቲ ካብኣቶም’የ። ሕጂ ነዚ መዝነት ተሓርየ ኣለኹ። ኣባላት ሰልፊ ነቲ ዕድል ከጣጥሑለይ እሓትት። ብወገነይ ግን ድሉውቲ እየ ዘለኹ።”

ኣብቲ ጉባኤ ኣስታት 700 ኣባላት ተሳቲፎም። ካብ ናይ ዚምባባወ ሰልፊ ዛኑ’ውን ኣብቲ ጉባኤ ንምዕዛብ ተሳቲፎም ነይሮም። ሓደ ካብኣቶም ማይክ ቢምባ’ዩ። ነቲ ዝተዓዘቦ ድማ ብኸምዚ ይገልጾ፤“ካብ ፈለማ መዓልቲ ኣትሒዙ እዚ ጉባኤ ብጽቡቕ መንፈስ’ዩ ክካየድ ቀንዩ። ኵሉ ተሳታፊ እዚ ጉባኤ ነቲ ዝተባህለ መምርሒታት ብግቡእ ክኽተል ቀንዩ። እቲ ምርጫ ብጽቡቕ ምዝዛሙ ሕጕሳት ኢና። ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ምንባሩ ድማ ክሕብር እፈቱ።”

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ጕባኤ፡ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንምምራጽ’ውን ብሓደ መዓልቲ ተናዊሑ’ዩ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ስዋፖ ካብ ዕለተ ናጽነት እታ ሃገር፡ ማለት 1990 ኣትሒዙ ክመርሕ ጸኒሑ። ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ድማ ይግለጽ።

ንዳይትዋ ናብዚ ሓድሽ መዝነት ምምራጽ ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ’ውን ዝጥቀስ ለውጢ ከምጽእ’ዩ። ዛጊት ናይ ላይበሪያ ፕረዚደንት ነበር ኢለን ጆንሶን ሲርለፍ ጥራይ’ያ ኣብታ ኣህጉር ፕረዚደንት ኰይና ኣገልጊላ ዘላ።

XS
SM
MD
LG