ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኒው-ሜክሲሶ፤ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምስዓሩ ሕነ ክፈዲ ንዝፈተነ ተወዳዳሪ ጀሚሩ


ሶሎሞን ፐና
ሶሎሞን ፐና

ኣብ ግዝኣት ኒው-ሜክሲኮ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ታሕሳስ ምርጫ ንመንበር ኮሚሽነር ከተማ ተወዳዲሩ ድሕሪ ምስዓሩ፡ ንሓጋጊ ኣካል ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትን ክቐትል ንዝፈተነ ሶሎሞን ፐና ክሱ ናይ ምስምዕ ከይዲ ጀሚሩ።

ትማሊ ረቡዕ ፈላሚ ክሱ ምስምዕ ዝጀመረ ፔና፡ ኣብታ ዝነበረላ ከተማ ኣልቡኮርክ ንኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ክቐትል ናብ ገዛኦም ደኣ ይኺድ እምበር፡ እቲ ዝሓሰቦ ክቐንዖ ከም ዘይከኣለ ዝበጽሓና ዜና ይጠቅስ።

ጥርጡር፡ ተሪር ሰዓቢ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ምዃኑ ይፍለጥ። ነቲ ኣብ ምርጫ ምጥፍፋኣት ተገይሩ ዝብሃል ዘረባታት ምሉእ ብምሉእ ኣሚኑ ከም ዝፈጸሞ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ሰብ-መዚ ጸጥታ ኣመሪካ ይጠቕሱ። እዚ ኣብ ምርጫ ድሕሪ ምስዓር ብብረት ወይ ካልእ ጎንጺ ሕነ ክትፈዲ ምፍታን ድማ “ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ እታ ሃገር ናብ ሓድሽ ደረጃ ዝወስድ ሓደገኛ ኣንፈት፡” ክብሉ ዓቃቢ ሕጊ ኒው ሜክስኮ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG