ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ሻንጋይ መዓርፎ ነፈርቲ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠማ ተገሊጹ


ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ 777 ዝዓይነታ ነፋሪት ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቻይና ሻንጋይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቑሑት ኣብ ትጽዕነሉ ዝነብረ እዋን ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ እንተኾነ ኣብ ሰብ ዝበጽሓ ጉድኣት ከምዘየለ ሮይተርስ ገሊጹ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ዝሃቦ መግለጺ ጠንቂ'ቲ ባርዕ ሓዊ ይጻረ ከምዘሎን እታ ነፋሪት ካብ ሻንጋይ ናብ ሴንት ፖል ሳንቲያጎ መደበኛ በረራ ተኻይድ ከምዝነበረትን ሓቢሩ'ሎ።

ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ ሻንጋይ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልባ ተመዲበን ዝነበራ ነፈርቲ ኣብ ካል መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልባ ምግዳደን'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG