ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡን ብኢራን ናይ ዝድገፍ ጉጅለ ደብዲበን


ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡን ብኢራን ናይ ዝድገፍ ጉጅለ ደብዲበን።እቲ ደብዳብ ቅድሚ 24 ስዓታት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካን ወታሃደራት ጥምረትን ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ትማሊ ሓሙስ ምሸትን ሎሚ ዓርብ ንጉሆን ዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ክታይብ ሂዝቦላህ ዝተባህለ ጉጅለ ዝውንኖም ሓሙሽተ መኽዘናት ኣፅዋር እዮም።እቲ ጉጅለ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ባቕዳድ ንዝርከብ ወታደራዊ መደብር ዒራቕ ሮኬት ብምውንጫፍ ንኽልተ ወታሃደራት ኣሜሪካን ሓደ ኢንግሊዛዊ ወታሃደርን ቀቲሉ ንካልኦት 14 ኣቑሲሉ’ሎ።

ሚንስትር ምክልኻል ኣሜሪካኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ዝተፈፀመ ደብዳብ ንርእስኻ ንምክልኻል ዝተኻየደ ተመጣጣኒን ቀጥታዊን ግብረመልስን እዩ ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG