ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ንዩኒቨርስቲ መቀለ ደብዲበን ተባሂሉ


ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቀለ ደብዳብ ፈጺሙ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝጠቀሰ ኣሶሴትድ ፕረስ ገሊጹ።

እዚ ደብዳብ ከምዝተፈጸመ ይስማዕ ዘሎ፣ ኣሜሪካ፣ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ንዝቀረበሎም ጻውዒት ምቁራጽ ተጻብኦ አዎንታዊ ግብረ መልሲ ከምዘይሃቡ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን እዩ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ዩኒቨርስቲ "ሓደ መንግስቲ ከመይ ገይሩ ንገዛእ ህዝቡ ብቦምብ ይድብድብ?" ከምዝበሉ እቲ ዜና ገሊጹ ኣሎ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርሲቲ መቀለ ዝተፈጸመ ደብዳብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ መልሲ ንምርካብ ከምዘይካኣለ ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG