ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነጻነት ፕረስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ የንቆልቁል ምህላው ተገሊጹ


ዓለምለኸ መዓልቲ ናጻነት ፕረስ ጽባሕ ሓሙስ ግንቦት 3 ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ኣብ ዝውዕለሉ ኣጋጣሚ፡ነጻነት ፕረስ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ምንቁልቋሉ ተሓለቕቲ ይሕብሩ`ለዉ።

ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዝወጽእ ጸብጻብ ዝተሓተ ደረጃ ዝስርዓ ኽኾና ከለዋ ፡ ኢትዮጵያ`ውን ካብ`ቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረቶ ትሑት ደረጃ ኣይተመሓየሸትን። ብመሰረት ሓበሬታ ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ሃገራት ኬንያን ታንዛንያን`ውን ነጻነት ፕረስ ምንቁልቋሉ ይገልጹ።

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ብክስታት ክሕደት ሃገር፡ግብረ ሽበራን ምጽናት ዓሌትን ንትሽዓት ጊዜ ተአሲሩ፡ ንሱ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ኾይኑ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ካልኦትን ዝፍጸም ግፍዒ፡ ንመንግስቲ ዝነቕፍ ጽሑፍ ካብ ምጽሓፍ ከምዘይክልክሎ ይገልጽ።

“ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽ ብዘይምህላው፡ ነጻነት ክህልው ኣይክእልን’ዩ። ነጻነት ብኡ’ዩ ዝጅምር። ሓሳብኻ ክትገልጽ ክትኽእል ኣለካ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ቃል ኣትዮም ኣለው። ንዝኣተውዎ ቃል ክትግብሩ ኣለዎም። ክሳብ ሕጂ ዝተተግበረ ነገር ኣይርኣይን።”

ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተባህለ ትካል ዘውጽኦ ዝርዝር ነጻነት ፕረስ ሃገራት ኢትዮጵያ መበል 150 ክትስራዕ ከላ ኤርትራ ድማ ኣብቲ 180 ሃገራት ዝሓዘ ዝርዝር ንሰሜን ኮርያ ጥራይ ብምቕዳም ኣብ መበል 179 ተሰሪዓ ኣላ። እዚ ደረጃ`ዘን ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣይተቐየረን።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ግብረ ሽበራን ስግኣት ሃገራዊ ጸጥታን፡ ቀንዲ ምክንያት ምድራት መሓውራት ዜናን ምምያ ትሕዝቶን ምዃኑ ይፍለጥ።

ዳይሬክተር ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ጆዋን ኑያንዩኪ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ትብል።

“ዜጋታት’ውን ንመሰል ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ደው ክብሉ ኣለዎም ምክንያቱ ንመጻኢ ምዕባለን ንምሕላው መሰላትን ኣገዳሲ ረቛሒ ብምኳኑ። ምክንያቱ ነጻነት ፕረስ ነጻነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ’ቲ ዞባ ማለት እዩ።”

ታንዛንያ ነጻነት ፕረስ ብቅልጡፍ ዘልቆልቆለላ ሃገር ኮይና`ላ፡ ብመሰረት ዝርዝር ደረጃ ሃገራት ነጻነት ፕረስ ታንዛንያ ካብ መበል 83 ናብ 93 ወሪዳ አላ። ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ንህዝቢ ዘለዓዕሉን ሰላም ዝዘርጉን እዮም ንዝብልዎም መደበራት ራድዮ ይኽልከሉን ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት’ውን ተመሳሳሊ ዕንቅፋት ይገጥሞምን ኣሎ።ንመንግስቲ ዝነቕፉ ወይ ሕቶ ዘልዕሉ መሓውራት ዜና ብመንግስቲ ይዕጸዉ`ለዉ፡ ትብል ተሓላቒት መሰላት ሀለን ቢሲምባ።

“ ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ኣለዋ። ንኣብነት ሰለስተ ጋዜጣታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ተዓጽዮም ኣለው ገለ ድማ ንኣዋርሕ ተዓጽዮም። ገለ’ውን ንሓዋሩ ዝተዓጽዋ`ዮም።”

ኣብ ኡጋንዳ ዝርከብ መርበብ ሰብኣዊ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት መጥቓዕቲ ክፍጽሙ ዘርእይ ቪድዮ ከምዘለዎም ይገልጹ። እዚ ጉጅለ ተሓለቕቲ መሰላት ቀንዲ ገሃስቲ ነጻነት ፕረስ ፖሊስ ምኳኖም ይገልጽ።

ፖሊስ እታ ሃገር ግን ኣብ ልዕሊ ፕረስ መጥቓዕቲ ዝፍጽሙ አባላት ፖሊስ ከምዝቕጽዑ ብምግላጽ ነዚ ክስታት ይነጽጉ።

ሪፖርት ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻቡ ኡጋንዳ ካብ 112 ናብ 117 ንኬንያ ድማ ካብ 95 ናብ 96 ኣውሪድወን ኣሎ።

ኣብ ኬንያ ብተቓወምቲ ዝተዳለወ ፍጻሜ ሸፈነ ብምሃቦም ንዝተዓጽዉ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን፡ ንመንግስቲ ኬንያ ተሪር ነቐሬታ ኣስዒብሉ’ዩ።

ድሕሪ ካብ ሰብ ሞያ ሕጊ ዝተላዕለ ተቓውሞ መንግስቲ ነተን መደበራት ቴሌቭዥን ስርሓት ክጅምራ ኣፍቒዱ’ዩ ስለዚ`ዩ ድማ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ነጻነት ፕረስ ኣብ ዝድረተሉ ጊዜ ዜጋታት ድምጾም ከስምዑ ዝጽውዕ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ነጻነት ፕረስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ የንቆልቁል ምህላው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:29 0:00

XS
SM
MD
LG