ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነጋዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ሓድሽ ዝጀመረ ንግዳዊ ንጥፈት ክልቲኣን ሃገራት እንታይ ይብሉ?


ነጋዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ሓድሽ ዝጀመረ ንግዳዊ ንጥፈት ክልቲኣን ሃገራት እንታይ ይብሉ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:08 0:00

ነጋዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ሓድሽ ዝጀመረ ንግዳዊ ንጥፈት ክልቲኣን ሃገራት እንታይ ይብሉ?

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ጽርግያታት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝግበር ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክብን ናይ ንግዲ ምልውዋጥን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዓዘዘን እናሓየለን ይመጽእ ኣሎ።መርኣያ ናይ’ዚ ከኣ መዓልታዊ ብኣማኢት ዝቑጸራ ህዝብን ኣቕሑትን ዘመላልሳ ዓበይትን ነኣሽቱን ከምኡው’ን ናይ ገዛ ተሽከርከርቲ ካብን ናብን ኤርትራ-ትግራይ ክኣትዋን ክወጽኣን ይረኣያ’ለዋ።ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት’ውን ዓድን ቤተሰብን ንምርኣይ፡ንምዝዋርን ብጻዕቂ ክንቀሳቐሱ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮታት ኮይኑ’ሎ። ኣብ ንግዳዊ ንጥፋታት ዝተዋፈሩ ነጋዶ’ውን ዝተፈላለዩ ንመግቢ ዘገልግሉ ሃለኽቲ ነገራት፡ንህንጻን ካልእን ዘገልግሉ ጥረ ነገራት፡ናይ ኤለክትሮኒክስ ናይ ንጽህና ኣቕሑን ንህዝቢ ብምቕራብ ነቲ ንግዳዊ ንጥፈታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምብጻሕ፡ቀረብ ኣብ ምርግጋጽን ዕዳጋ ኣብ ምርግጋእን ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ኣለዉ።

እዚ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ኣብ ምፍጣር ሽቕለት ወይ ስራሕ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ኣለዎ።ብኣንጻሩ እዚ ንግዳዊ ንጥፈታት ብናይ ክልቲኡ መንግስታት ዘይተማእከለ ብምዃኑ፡ዘይምምጥጣን ሸርፊ ባጤራ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ተጽዕኖ፡ ነጋዶ ካብ ሽያጥ ናይ’ቲ ንብረት ዝረኸብዎ ናቕፋ ወይ ብር ዝቕይሩሉ ቦታን ወግዓዊ ኣስራርሓን ብዘይ ምህላዉ ነቲ ባጤራ ሒዞም ናብ ሃገሮም ክኸዱ ወይ ከኣ ብንብረት ቀይሮሞ ክወስድዎ ይረኣዩ ብምህላዎም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንብረት(ኣቕሑ) ዝመጻሉ ቦታ ዝነብር ህዝቢ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ ንዘይሕጋዊ ንግዲ’ውን በሪ ዝኸፍት ኣካይዳ ከይከውን ዝተፈላለዩ ሰባት ስክፍትኦም ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ ።

ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ኣስመራ መናሃርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ኣብ ዝተኸፍተ ግዚያዊ ናይ ዕዳጋ ቦታ ተረኺበ ንናይ ክልቲኣን ሃገራት ነጋዶ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ዝተጀመረ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG