No media source currently available
ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ መጉዓዝያ ምድሪ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ምስ ተኸፍተ ብዙሓት ህዝቢን ነጋዶን ካብን ናብን ክልቲኣን ሃገራት ይመላለሱ ኣለው። ከም ውጽኢት ምኽፋት’ቲ ዶብ ድማ ነጋዶ ክልቲኣን ሃገራት ናይ ንግዲ ንጥፈታት ጀሚሮም ኣለው። ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቦታ ግዝያዊ መናሃርያ ናይ ንግዲ ቦታ ኣብምድላው ነጋዶ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ዘካይድሉ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ። ወኪልና ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ገለ ነጋዶ ኣዘራሪቡ ኣሎ።