ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድሉዋት ኢና” ነድ ፕራይስ ኣብ ምትፍናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን


ወሃቢ ቃል ሚ ጉ ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚ ጉ ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ -ፋይል

ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንመርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ግጭት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ምስ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ መላፍንቲ ኢና፡” ክብል መሊሱ።

እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ ከምቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝነበረ ጎንጺ ኣብ ምዕራፍ መንግስቲ ኣመሪካ ዝሰርሖ፡ ሕጂ’ውን ኣብቲ ተላዒሉ ዘሎ ፍልልይ ንህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ብዘርብሕ መገዲ ኣመሪካ ተራኣ ክትጻወት ምዃና መሊሱ። ፕራይስ፡ ነቲ ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ፡ ከምእኒ ክልል ኦሮሚያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ’ውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝርርብ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። ብተመሳሳሊ’ውን እቲ ወሃብ-ቃል፡ ንርግኣት ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ምስ ኵላቶም ወገናት ሓቢሮም ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዩ።

XS
SM
MD
LG