ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነታጒ ዝጸዓነት ሰብ ኣልቦ መርከብ ንናይ ስዑዲ ዓረብ ወደብ ያንቡ ዒላማ ምግባራ ተገሊጹ


ካብ ርሑቅ ስፍራ መቆጻጸሪ ዝተገጠመላን ተፈንጃሪ ዝተወደነትን መርከብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዘላንናይ ስዑዲ ዓረብ ወደብ ያንቡ ዒላማ ገይራ ከምዝተላኣኸት ተገሊጹ።

ብመሰረት ሰራዊት ስዑድ ዓረብ ዝሃቦ መግለጺ "ጽጹይ ሓበሬታ ከይወሰኸ፣ ነታ ጀልባ ወቂዕናያ ኣለና" ኢሉ።

ናይ ውልቀ ትካል ድሕነት ዝኾነ ‘ድርያድ ግሎባል’ ብወገኑ፣ ሓንቲ መርከብ ተወቂዓ ኣላ ኢሉ ኣሎ። ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣይሃበን። ስዑድ ዓረብ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ወፍሪ ተጸሚዳ ትርከብ። ሓይልታት ሑቲ ከምዚኤን ዝዓይነተን ጀላቡ ከምዝጥቀሙ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን።

XS
SM
MD
LG