ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነታንያሁ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርቱ ምኽኣሎም ገሊጾም


ንእስራኤል ብቀዳማይ ሚኒስትርነት ንነዊሕ እዋን ዝመርሑ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ምስ ሓያለ ኣኽረርቲን ሕሉፋት ሰዓብቲ እምነት ኣይሁድነትን ብምዃን ናይ ጥምረት መንግስቲ ኣብ ምምስራት ከምዝተዓወቱ ኣፍሊጦም። መንግስቲ ክምስርትሉ ዝተዋህቦም ጊዜ ኸብቅዑ 20 ደቓይቅ ጥራይ ኣብ ዝተረፈሉ’ዮ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንፕረዚደንት ኣይሳክ ኤርዞግ ብተሌፎን ጌሮም ናይ ጥምረት መንግስቲ ምምስራቶም ዝገለፁ።

ኔታንያሁ ኣብቲ ምስቶም ፕረዚደንት ዝገበርዎ ናይ ስልኪ ቪድዮ ርክብ ንኹሎም ዜጋታት እስራኤል ዘገልግል መንግስቲ ክምስርት ኪኢለ’ለኹ ኢሎም።

ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነዚ ዘፍለጡ ኣርባዕተ ዓመታትት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ንሓሙሻይ ጊዜ ምርጫ ካብ ዝካየድ ድሕሪ ሸውዓተ ሰሙናት’ዩ።

ሓያለ ካብቶም ሚኒስተራት’ቲ ዝምስረት መንግስቲ ክኾኑ’ዮም ዝበሃሉ ሰባት ሰፊሕ ቦታ ምዕራባዊ ገማግም ንምጉባጥ ወይውን ኣብቲ በሪኽ ቦታ ዘሎ ቤተ መቅደስ ኣይሁዳውያን ክፅልዩ ክፍቀድን ዝደልዩ’ዮም። እዚ ምስ ኣመንቲ እስልምና’ዉን ወጥሪ ንኽፍጠር ዝኽእል ምዃኑ ይንገር’ሎ። ምስ ኣመሪካ’ውን ውጥረት ክፈጥር ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ፖሊስ ኣመሪካ እቲ እስራኤል ኣብቲ ናይ 1967 ዓ.ም ኲናት ማእኸላይ ምብራቅ ዝሓዘቶም ኹሎም ከባቢታት ምዕራባዊ ገማግም ወሽመጥ ቃዛን ምብራቃዊ እየሩሳሌምን ኣካል ናፃ መንግስቲ ፍልስጤማውያን ክኸውን ኣለዎ ዝብል’ዪ።

እዚ ሓድሽ መንግስቲ እስራኤል ሰልጣን ክሕዝ ዝዳሎ ዘሎ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብዝተፈላለየ ክስታት ብልሽውና ኣብ ከይዲ ፍርዲ ኣብ ዘለዉሉ’ዩ። ኔታንያሁ ካብ ኹሉ’ቲ ዝቐረሎም ክስታት ንጹህ'የ ንጹህ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG