ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነባሮ ከተማ ሸገር ኣባይቶም ምፍራሱ ጥርዓኖም የስምዑ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ ከተማ ሸገር ንዓመታት ዝነበርናሉ ገዛውትና ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ የፍርሶ ኣሎ ክብሉ ንንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። እቶም ካብ ክልተ ዓመት ክሳብ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ከፍለ ከተማ ለገጣፎ ከምዝነበሩ ዝገለፁ ወሃብቲ ርእይቶ፣ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ገዛውቶም ከምዘፍረሶን ሕጂ'ውን ከም ዝቐፀለሉን ይገልፁ።

ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝነበርናሎም ኣባይቲ ዘይሕጋዊ ክበሃሉ ኣይኽእሉን ዝበሉ እቶም ነበርቲ፣ እቲ ስጉምቲ ግቡእ ኣይኮነን ይብሉ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርእይቶ ዝሃቡ ከንቲባ ከተማ ሸገር ዶ/ር ተሾመ ኣዱኛ እቶም ዝፈርሱ ዘለዉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተሰርሑ'ዮም ብምባል እቲ ስራሕ ምትግባር ልዕልና ሕጊ’ዩ ኢሎም።

ነበርቲ ናይቶም መንበሪ ኣባይቲ ምፍራስ ብዘይ ቅድመ መጠንቀቕታ ከም ዝሳለጥን ብፍላይ ድማ ንተወላዶ ብሄረ ኦሮሞ ንዘይኰነ ዘተኰረን’ዩ ኢሎም ይኸሱ። ከንቲባ እታ ከተማ ግን ነቲ ዝቐረብ ክልተ ክስታት ይነጽጉ።

XS
SM
MD
LG