ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነባር ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብርሃ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓሪፉ


ኣብ 1975 ካብ ኤውሮጳ ናብ ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ዝተጸንበረን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኢትዮጵያን ዓዲ እንግሊዝን ከም ላዕላዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለን ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ለንዶን ኣብ መበል 71 ዕድሚኡ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዓሪፉ'ሎ።

ኣብ ኒው ጀርሲ ኣመሪካ ዝቕመጥ ሓዉ ብርሃነ ኣብርሃ፡ ኣፈወርቂ፥ ኣቦ ስድራን ሓቛፊ ቤተሰቡን ምንባሩ ይጠቅስ።

ስነ-ጥበባዊን ደራስን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ (ሊንጎ ) ድማ፤ 'ታዕሊም ወዲኤ ኣብ ኣፍደገ እምባደርሆ ድፋዕ ምስ ኣተና እታ ቀዳመይቲ ለይቲ፥መራሒ መስርዐይ ምስ ኣፈወርቂ'ዩ መተሓድርቲ ጌሩ መዲቡኒ 'ብምባል ኣብ ስነ-ጥበብ'ውን ዓቢይ መምህሩ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ኣብ ሓንቲ ሓይሊ ነዊሕ ተጓዒዝና ዝበለ ገዲም ተጋዳላይን ደራስን ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን ) ብወገኑ ንኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ብምቕሉልነቱን ሓላይነቱን ብምዝካር ዘይትካእ ዲፕሎማት ምንባሩ ይምስክር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ነባር ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብርሃ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓሪፉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:12 0:00


XS
SM
MD
LG