ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ዞባ ጉጂ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ከምዘይከአሉ ሓቢሮም


ኣሸሓት ነበርቲ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ ገለ ካብኣቶም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቲ ዝቐጸለ ግጭታት ንሰብኣዊ ቐረብ`ውን የተዓናቕፍ ከምዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ምውህሃድ ረድኤት(ኦቻ) ሓቢሩ`ሎ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ኣንጻር ዕጡቓት ስጉምታት ከወስድ ጸኒሑ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ተፈናቒሎም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከባቢኦም ሰላሙ ስለዝተመሓየሸ መብዛሕቲኦም ናብ ቦትኦም ከም ዝተመልሱ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ክልል ይሕብሩ። ዛጊት 449 ሺሕ ሰባት ናብ ገዝኦም ከምዝተመልሱ ዝሓበረ ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ስግኣትን ኣቶ ታረቀ ታሲሳ፡ እንተኾነ ልዕሊ 70 ሺሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብቲ ናይ ቤንሻንጉል መዕቆቢ ስደተኛታት ተዓቑቦም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG