ባህርዳር —
ነበርቲ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ጭና ቀበሌ ተክለሃይማኖት፣ ዕጡቃት ህወሓት ፈጺሞምልና ካብ ዝበልዎ መጥቓዕቲ ከምዘምለጡን ንናይ ህወሓት ግብረ መልሲ ከምዘይቅበሉን ገሊጾም።
ብመሰረት’ቲ ዜና፣ እቶም ርእይቶ ወሃብቲ ዕጡቃት ህወሓት ካብ 24 ነሓሰ ለይቲ ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልታት ከምዝጸንሑን፣ አብ ልዕሊ 200 ሰባት መጥቓዕቲ ምፍጻሞምን ነጻ ኣካል መጻረዪ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ እዩ ይብሉ ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ "ሰራዊትና ንሰላማዊ ሰባት ቀቲሎም ዝብል ክሲ አትሪርና ንነጽጎ፣ ተፈጺሞም ዝባሃሉ ገበናት ብነጻ ኣካል ንክጻረ ደጊምና ንሓትት" ኢሉ ኣሎ።