ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ ጎማ- ኮንጎ ኣንጻር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ


ከተማ ጎማ- ኮንጎ ፋይል
ከተማ ጎማ- ኮንጎ ፋይል

ኣብታ ብተደጋጋሚ ጎንጽታት እትሳቐ ዘላ ጎማ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ዲሞክራዊያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ዓሰርተታት ነባሮ ኣንጻር’ቶም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ተቓውሞ ምስ ገበሩ፡ ፖሊስ ብዘንብዕ ጋዝን ተዅሲን መሊሱ። እቶም ተቓወምቲ ነቶም ሰላም ንምስፋን ብዝብል ምኽንያት ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክወጽኡ ዝሓቱ’ዮም።

ካብ ሸውዓተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጻኡ ሰራዊት ዓቃብ-ሰላም ነቲ ብጎንጽታት ዕጡቓት M23 ንምክልኻል ኣብኡ ደኣ ይሃሉዉ እምበር፡ እቶም ነበርቲ ግን ስራሖም ከም ዘይሰርሑ ይቃወሙ።

“ብሕልፊ እኳ ካብ ኬንያ ዝመጽኡ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ከም በጻሕቲ ሃገር’ዮም ኣብቲ ከተማ ክዛወሩ ዝውዕሉን ዋላ ሓንቲ ዘይስርሑን። ስለዚ ዋላ ሓንቲ ትርጕም ስለ ዘይብሎም ዓድና ይግደፉልና፡” ክብል ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ተዛሪቡ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኮንጎ ብሰንኪ ዝሰዓበ ሰንሰለታዊ ጎንጺ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ የመልክት።

XS
SM
MD
LG