ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ ዳማት ኢሮብ ንውሳነ ኢህወዲግ ንምትግባር ስምምዕ አልጀርስ ተቓዊሙ


ትግራይ ክልል
ትግራይ ክልል

ኣብ ክልል ትግራይ ምብራቓዊ ዞባ ዝርከብ ህዝቢ ዳማት - ኢሮብ ነቲ ኢህወዴግ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ተቐቢለ ከተግብሮ’የ ዝብል ውሳነ ተቓዊሞሞ።

እቲ ብአፍልጦ’ቲ ወረዳን ብሰላማዊ ኣገባብን ዝተኻየደ ሰልፊ ንክደናጎይ ህወሓት ሓቲቱ ነይሩ። ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ንጉሴ ሓጎስ ንሕቶ ህወሓት ከምዝነጸጎን ናብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝወጸን ሓቢሮም። ኣብ’ታ ንእስ ዝበለት ከተማ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነበርቲ ከምዝተቓወሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

ሓደ ኣብ’ቲ ሰልፊ ዝዋዓሉ ኣቶ ወልዴ ብስራት ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ንኡስ ብሄር ኣብ ክልተ እንተተኸፊሉ ከምዘይነበረ’ዩ ዝኸውን ኢሎም። ‘’ህዝቢ ኢሮብ ደላዪ ሰላም’ዩ ግን ፍትሒ ዘይብሉ ሰላም የለን። ፍትሒ ኣደ ሰላም’ያ’’ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG