ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ንምድጋፍን መንግስቲ ብህውሓት ዝተኸፈተ ንዝበሎ መጥቓዕቲ ዝቃወም ሰልፊ አካይዶም


ነበርቲ ከተማ አዲስ አበባ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ንምድጋፍን መንግስቲ ብህውሓት ዝተኸፈተ ንዝበሎ መጥቓዕቲ ዝቃወም ሰልፊ አካይዶም

ብብዙሓት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ: ምዝዛም ምምላእ ግድብ ህዳሴ ንምድጋፍን ፡መንግስቲ ብኣሸባርነት ዝመደቦ ህወሓት ከፊትዎ ንዝበልዎ መጥቃዕቲ ንምኹናን ሎሚ ሓሙስ ሰልፍ ወጺኦም ውዒሎም።

እቶም ተሰለፍቲ፡ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ንተግባራት ህወሓት እናረኣየ ስቅታ መሪፁ ክብሉ`ውን ከሲሶም።

ሓይልታት ትግራይ ንዝተታሕዘ መሬት ትግራይ ምሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝልቀቅ ኩናት ክንቅጽል ኢና ዝብል ብወሃቢ ቃሉ ጌታችው ረዳ ምግላፁ ይዝከር።

ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኸኣ ዛጊት ዘሎ በይናዊ ምቁራፅ ተፃብኦ ምዕፃው ደኣ እምበር ከምቲ ስሙ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተገብረ ኣይኮነን ብልዝብ ናይ ሓቂ ምቁራፅ ተፃብኦ ክግበር ምጽውዕዖም ይዝከር።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ምኽትል ከንቲባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፡ መደረ ኣስሚዐ ኔራ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰልፍን ምላሽ ዝምልከቶም ኣካላትን ጽባሕ ብሰፊሑ ክንምለሶ ኢና።

XS
SM
MD
LG