ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ መቐለ ካብ ስግኣት ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ይሃድሙ ምህላዎም ተገሊጹ


ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታትን መራሕቲን ህውሓት “ናይ መወዳእታ ምዕራፍ” ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምእዛዞም ሰባት ካብ ከተማ መቐለ ይሃድሙ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ከተማ መቐለ ካብ መራሕቲ ትግራይ ንርእሶም እንተድኣ ዘየርሒቖም ‘’ምሕረት የለን’’ ኢሉ መንግስቲ ምጥንቃቑ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ወታሃደራዊ ኣሃዱታታት ክኣትው ትእዛዝ ስለዝተውሃቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ ዕጥቖም ክፈትሑን ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉን ትማሊ ሓሙስ ኣጠንቂቖም። መንግስቶም ንስቪላት ከምዝከላኸል እውን ገሊፆም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ኢዶም ክህቡ ወይ ኣብ ልዕሊ ዋና ከተማ መቐለ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ከምዝወስዱ ኣጠንቂቖም ኔሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ መግብን ካልኦት ቀረባትን ይፅንቀቖ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ገለልተኛ ዝኾኑ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርቡ ብቕልጡፍ ክፍቀድ ፀዊዑ ኣሎ።

በቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኹናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምሟቶም ልዕሊ 43,000 ሰባት ድማ ናብ ሱዳን ምስዳዶም ይግለጽ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG