ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ባህርዳር መንግስቲ'ቲ ክልል ንዝጸውዖ ናይ ክተት መልእኽቲ ምቕባሎምን ድልውነቶምን ምግላጾም ተሓቢሩ


ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንዝጸውዖ ናይ ክተት መጸዋዕታ ምቕባሎምን ናብ ግንባር ብምዝማት ድልዋት ምዃኖምን ነበርቲ ባህርዳር ገሊጾም።

ሎሚ ኣብ ባህርዳር ብ10 ሺሕ ዝቑጸር ህዝቢ ነቲ ዘመቻ ንምድጋፍ ኣብ ዝወጻሉ እዋን፡ ምኽትል ከንቲባ ባህርዳር ዶ/ር ድረስ ሳህሉ “ሓይልታት ወጻኢ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሸባርነት ንዝተመደበ ህወሓት ምድጋፍ ደው የብሉ” ክብል ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝወጸ ህዝቢ መደረ ኣስሚዑ`ሎ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ናይ ህልውና ሓደጋ ገጢሙኒ`ሎ ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ነቲ ሓደጋ ንምምካት ብዝብል ናብ ኣደባባይ ውጺኡ ድጋፉ ዝገልጽ ህዝቢ እናወሰኸ መጺኡ`ሎ።

ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ እንጅባራ፡ ጎንደር፡ ደብረማርቆስ፡ ደብረብርሃንን ካልኦት ከተማታትን ናይ ድጋፍ ሰልፍታታት ቀጺሎም ኣለዉ

ኣብቲ ሎሚ ኣብ ባህርዳር ዝተገብረ ሰልፊ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ ኣቶ ኣበበ እንዲያውቁ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብክልላዊ መንግስቲ ንዝተጸውዐ ናይ ክተት ጻውዒት ምቕባለይ ንምርግጋጽ`የ ሰልፊ ወጺአ ይብል::

ወ/ሮ ጎንደሪት ኣያሌው ዝተባህለት ብወገና፡ ንመንግስቲ ዘለኒ ድጋፍ ንምርግጋጽ`የ ሎሚ ናብዚ ሰልፊ መጺአ ዘለኹ ትብል ::

ኣብቲ ሰልፊ መደረ ዘስምዐ ምኽትል ከንቲባ ዶ/ር ድረስ ሳህሉ፡ ሓይልታት ወጻኢ ንሽብርተና ጉጅለ ህወሓት ምድጋፍ የቋርጹ ክብል ሓቲቲ`ሎ::

ወኪል ቤት ምኽሪ ተወዳደርቲ ፓርትታት ኣቶ ይደግ ማሩ ብወገኑ ክገልጽ ከሎ፡ ቤት ምኽርና ንህወሓት ንምምካት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ምዃኑ ነፍልጥ ኢሉ::

ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ሰሙን`ውን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ፡ ነበርቲ ፡ ሓይልታት ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ኢዶም የልዕሉ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ኔሮም።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደብረማርቆስ`ውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ተኻይዱ ኔሩ። “ካብ እንግድዓ ቆልዑ ብረት የልግስ” ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን`ውን ክቃልሑ ተሰሚዖም ኔሮም።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ንሓረስቶት ናብ ዝመጽሉ ምምላስና ክንቅጽል ኢና: ጽልእና ምስ ጭቁናት ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ሚልሽኦምን ኣይኮነን፡ ጽልእና ንኣደታት ትግራይን ሕጻናትን እንተዘይወዲኦም ድቃስ ምስ ዘይወስዶም በዓል ኣቢይን ደመቀን`ዩ፡ እዚኣቶም ንህዝብና ስግኣት ኮይኖም ክሳብ ዝቐጸሉ፡ ስጉምትና ብረት ኣብ ዘልዓልሉ ቦታታት ኩሉ ክቕጽል`ዩ ኢሉ።

ብዝተሓሓዘ ካልእ ዜና ዕጡቓት ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ሶማሌ ፈፂሞምዎ ዝተባህለ ቅትለትን ምዕናው ንብረትን ዝኹንን ሰልፍታት ኣብ ከተማታት ድሬዳዋን ካልኦት ከተማታትን ክልል ሶማሌ ተኻይዱ። እቶም ሰልፈኛታት ፈፀምቱ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓቲቶም። ነቲ ተግባር ፈፂሙዎ ዝብሃል ኢጉጉማ ማለት ናይ ዓፋር ግንባር ዴሞክራሲያዊ ጥምረት ዝተብሃለ ዕጡቕ ለውጢ ስዒቡ ዕጥቑ ምውራዱ ክልል ዓፋር ይገልፅ።

ክልል ዓፋር ንዝቐረቡ ክስታት ኣይተቐበሎን።

ዝተዓፀው መስመር ባቡርን መንገዲን ኢትዮ ጅቡቲ ክሳብ ዱሬ ዝተባህለ ጣቢያ ብኽፋል ተኸፊቱ ምኽፋቱ ውን ተገሊጹ'ሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG