ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ኣድያቦን ሰቲት ሑመራን ምስ ሰራዊትን ገለ ህዝቢን ኤርትራ ተራኺቦም፣ ናይ መረብ ግና ኣይሰለጠን


ነበርቲ ሰቲት ሑመራ
ነበርቲ ሰቲት ሑመራ

ህዝቢታት ራማ-ክሳድ ዒቃ፣ ሰቲት ሑመራን-ኦምሓጀርን ኣድያቦ-ሸሸቢትን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ዝተጀመሩ ጻዕሪታት ሕውስዋስ ውጽኢት ረኺቦም ኣለው።

ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሩባ መረብ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወከሉ ነበርቲ ብሓባር ንምውዓል ኣብ ዝተትሓዘ ትልሚ ህዝቢ ካብ ወገን ክሳድ ዒቃ ኤርትራ ክርከቡ ኣይከኣሉን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ብዝተፈጠረ ፀገም ምኻኑ ዝጠቀሱ ድማ ‘ንሓዱሽ ዓመት ቅዱስ ዮውሃንስ ክመፅኡ እዮም ተባሂልና’ ኢሎም። ከምኡውን ነበርቲ ሰቲት ሑመራ ሎሚ ሓሙስ ንሩባ ተከዘ ሰጊሮም ምስ ሰራዊት ኤርትራን ህዝቢን ዘትዮም ተመሊሶም።

ነበርቲ ሰቲት ሑመራ
ነበርቲ ሰቲት ሑመራ

ብዘይካ’ዚ መላምንቲ ሓዊን ጎረባብቲን ህዝቢታት ኣድያቦን ሸሸቢትን ንምርኻብ’ውን ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ጻዕሪ ተገይሩ ኣሎ። ምስ ሰራዊትን ህዝቢን ኤርትራ ተራኺብና ሰናይ ጊዜ ኣሕሊፍና ተመሊስና ይብል ካብ ኮሚቴ ምውህሃድን ዕርቂን ህዝቢ ኣድያቦ ሓደ ዝኾነ ኣቶ ገ/ሂወት ገ/ሃዋርያ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:01 0:00

XS
SM
MD
LG