ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ምዕራብ ወለጋ ብሄር ተኾር መጥቓዕቲ ይፍጸመና ኣሎ ክብሉ ይኸሱ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምዕራብን ሆሮ ጉድሩን ወለጋ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ሓይልታት ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ይፍፀመና ኢሎም።ኣብቲ ከባቢ መሓውር መንግስቲ ምፍራሱን ሓይልታት ምክልኻል እውን ክሳብ ሕጂ ከምዘይበፅሕሎምን ንድ ምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ናይቲ ክልል ፖሊስ ብወገኑ ናይቲ ክልል ሰላም ዝዘርጉ ኣካልት ከምዘይዕገስ ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ዞባታት ምዕራብን ሆሮ ጉድሩን ወለጋ ነበርቲ ገለ ወረዳታት ተወለድቲ ኣምሓራ ብዕጡቓት ሓይልታት ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ይፍፀመና’ሎ ኢሎም።ሽሞም ክጥቀሰሎም ዘይደለዩ ነባሪ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወረዳ ጃርቴ ካብ 5 ታሕሳስ 2011ጀሚሮም ‘’ሰራዊት ዳውድ ኢብሳ ኢና፤ኣምሓራ ኣብዚ ከባቢ ክነብር የብሉን’’ እናበሉ እናቐጥቀጡ ብረትና እውን የፍቱሑና ኣለው ኢሎም።

“ካብኡ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ብረት እናዘረፉ፣እናቐጥቀጡ ንሰባት እናሳቐዩ እዮም ዘለው።ንሕና ተወለድቲ ኣምሓራ እንጀራ ደሊና ኢና መፂኢና።ግን ሓያል መጥቓዕቲ እዩ ዝወርደና ዘሎ፤ኣብ ዝለዓለ ሽግር ኢና ንርከብ።ወገን ይብፅሐልና ኢና ንብል ዘለና።…ንዓና ናይ ወያነ ሰራሕተኛ ወይም ናይ ወያነ ኣባላት እዮም ዝብሉና።ኣባል ወያነ ክሰርሕ፣ክቃልስ፣ክዛረብ ኣይክእልን እዮም ዝብሉና። “

ዛጊት ሓይልታት ምክልኻል ከምዘይበፅሑሎም እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ካልእ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ ወረዳ ኣቤር ጉንዱሮ ከተማ ቱሉ ገና ኣብታ ከተማ መሓውር መንግስቲ ዝብሃል የለን፤ንምራሕ ዘለና ብዕጡቓት ሓይልታት እዩ፤ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት እውን ምስቶም ዕጡቓት ብምዃኑ እናውቅዑናን እናቕተሉናን እዮም ኢሎም።

“ናይ መን መሓር መንግስቲ እዩኸ?ብደረጃ ወረዳኮ ዋላ ሓደ ነገር የለን።ዝተወደበ ጉጅለ እዩ ዝመርሖ ዘሎ።ሰብ እናተወቕዐ ይቕተል እዩ ዘሎ፡ንኣብነት ሓደ ወዲ ጎጃም ተወቒዑ ብረቱ ወሲዶም ብኣፉን ኣፍንጭኡን እናደመይ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ይሙት ይሃልው ዝፍለጥ ነገር የለን።እቲ ወረዳ ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ኣቢሉ እዩ።”

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ሰከላ ኣብዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝምሃሩ ኣስታት 185 ተምሃሮ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝነበሩ ወለዶም ብዕጡቓት ሓይልታት እናተዓፈኑ ይውሰዱ ስለዘለው ትምህርትና ክንከታተል ኣይክኣልናን ክብሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ሰልፊ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ፖሊስ ኮምሽን ክልል ኦሮሚያ ሎማ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ቀሌም ወለጋ፣ምብራቕን ምዕራብን ወለጋ ከምኡ እውን ኣብ ሆሮ ጉድሩ ትካላት መንግስቲ ኣገልግሎት ጠጠው ምባሉ ብምግላፅ ሰላምን ድሕነትን ናይቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝዘርጉ ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዊ ምዃኑ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ነበርቲ ምዕራብ ወለጋ ብሄር ተኾር መጥቓዕቲ ይፍጸመና ኣሎ ክብሉ ይኸሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:51 0:00

XS
SM
MD
LG