ነበርቲ ማይካድራ ኣብታ ከተማ ብጅምላ ንዝተጨፍጨፉ ክዝክሩ ውዒሎም።
እቲ ዝክር ዝተኻየደ ካብ 600 ክሳብ 1000 ንዝበጽሑ ግዳያት ምዃኑ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።
ነቶም መወቲ ብቤተክርስትያን ጸሎትን ዝኽሪን ምግባሩን ብባህልን ወግዕን ክፍጸም ዘይከኣልዎ ስርዓት ምፍጻሙ እቲ ሓዘን እንተዘይገደፎም"ኳ ቅልል ከምበሎም ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
ኣብ ማይካድራ ብጅምላ ዝተቐበሩ ሰባት ጸሎተ ፍትሓት ተገይርሎም ኣስከሬኖም ኣብ ቤተክርስትያን ከምዝዓርፍ ዝተገብረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ማእከል'ታ ከተማ'ውን ንዝኽሮም ሓወልቲ ንምስራሕ እምኒ ኩርናዕ ተቐሚጥሎም ክብል ናብቲ ቦታ ዝተጓዕዘ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ'ሎ ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከባ ጎረባብቲ ወረዳታትን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ተሓቢሩ'ሎ። እዚ ዳሕራዋይ ግጭት ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ፍልይ ዝበለ መልክዕ ኣለዎ'ውን ተባሂሉ'ሎ።