ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ: ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጋምቤላ ንሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ክብሉ ሓቢሮም


 ከተማ ጋምቤላ
ከተማ ጋምቤላ

ነበርቲ: ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጋምቤላ ንሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም ክብሉ ሓቢሮም።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ 'ኦነግ ሸኔ'ኢኹም ብምባል ንተወላዶ ኦሮሞን ተወላዶ ካልኦት ብሄራትን ከም ዝቐተሉ`ውን ሓቢሮም ኣለዉ።

ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኦነግ ሸኜ ከቢድ ክሳራ ድሕሪ ምውራዱ እቶም ዕጡቓት ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ቅትለት ከምዘፈጸሙ ይገልጽ።

ክልል ጋምቤላ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ብዝተገብረ ግጭት፡ 17 ተወላዶ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት ምቕታሎም ዝጠቐሰ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ክልል ሕጂ ህይወት ናብ ንቡር ምምላሱን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጋምቤላ ዝግበር በረራ ምጅማሩን እቲ ከባቢ ምርግጋኡን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG