ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና 9 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ሩዝን ሓገዝ መግቢ ንኢትዮጵያ ሂባ


ቻይና ኣብ መዓላ ሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል 9 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ሩዝን ሓገዝ መግቢ ንኢትዮጵያ ሂባ።

እቲ ቻይና ዝለገሰቶ 7,408 ሜትሪክ ቶን ስርናይን 509 ሜትሪክ ቶን ሩዝ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው ረድኤት ከምዝውዕል ተገሊጹ’ሎ።

እቲ ረድኤት ብገንዘብ ክትመን ከሎ 206 ሚልዮን ብር ወይኸአ 7,201,500 ዶላር ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ነቲ ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቻይና ኣምባሳደር ታን ዥያን ንሚንስትር ዴኤታ ሚንስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣቶ አድማሱ ነበበን ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ምትኩ ካሳ ኣረኪቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG