ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትመዝዝ ምዃና ተመልክት


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ

ቻይና ንሰላምን ሓባራዊ ስራሕ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ክትመዝዝ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ’ታ ሃገር ዋንግ ዪ ኣብ ናይ ኬንያ ዑደቶም ኣመልኪቶም።

ዋንግ ነዚ ርእይቶ’ዚ ሎሚ ዝሃቡ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍርይ ፈልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን እዩ። እቲ ዞባ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ ዕልዋን ኣብ ሶማል ብሰንኪ ምርጫ ዘጋጠመ ምፍጣጥን ካልእ ቅልውላው ተወሲኽዎ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ መገሻ ዝፈጸሙ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ፣ ሃገሮም፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመስርሕ ሰላም ዝመርሕ ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ እያ ኢሎም።

ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ኮይኖም ዝተዛረቡ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና "ሃገሮም ህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም መታን ክረኽቡ ክተሐግዞም እያ" ኢሎም።

"ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ልዝብ፣ ከምኡ'ውን ምዕራፍ ህዝቢታት’ዚ ዞባ ኣብ ኢድ እዞም ህዝቢታት ከምዝኾነ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። ሃገራት’ዚ ዞባ፣ ኣብ ኮንፈረንስ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ንክመኽሩ ርእይቶ ኣቅሪብና ኣለና። እዚ ጉዳይ’ዚ ብዕምቆት ንምዝታይን ፖለቲካዊ ምርድዳእ መታን ክህሉን ውሁድ ተግባራት ንምውሳድን፣ ቻይና ፍሉይ ልዑኽ ክትመዝዝ እያ።"

ቻይና ዝወጠነቶ ሹመት ፍሉይ ልዑኽ ነቲ ብኩናት ዝተሓመሰ ዞባ፣ መርአያ ቻይና ክትጻወቶ ዝደለየቶ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ተራ ከምዝኾነ ይእመነሉ።

ቻይና ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃበት፣ ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍርይ ፌልትማን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጺሉ ንዘሎ ውግእ ንከብቅዕ ዝዓለመ መገሻ ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን እዩ።

ቻይና፣ ንድሮን ሓዊሱ ኣጽዋራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ የቅርባሉ ኣለዋ ተባሂለን ካብ ሞንጎ ዝኽሰሳ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኒክ ኬንያ ዝምህር ሶንግ ሙሊሮ "ቻይና፣ ወትሃደራዊ ኣጀንዳታታ ቅድሚ ቁጠባዊ ኣንፈታት ትሰርዕ ከምዘላ" ይገልጽ።

"ፍሉይ ልዑኻት፣ ንንግዳዊ ኣጀንዳ ዝከታተሉ ኣይኮኑን። ናይ ሰላምን ጸጥታን ጉዳያት እዮም ዝከታተሉ። ኩነታት ሰላምን ጸጥታን ኣብ ውሽጢ ወትሃደራዊ ሓይሊ ይሕቆፉ ኣለው።ፍሉይ ልዑኽ ክትመዝዝ ከላ፣ ቻይና ነዚ ኣገባብ’ዚያ ትስዕብ ዘላ: እተዘይኾን ነይሩ፣ ድልየታ ንምምላእ፣ ነቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘሎ ልዑኻ ምተጠቀመትሉ ነይራ።"

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣንጻር ተዋጋእቲ ትግራይ ዓሚ ሕዳር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናው፣ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ገጢሙዋ ከምዘሎ ዝዝከር እዩ። እቲ ውግእ፣ ንሚልዮናት ኢትዮጵያዊያን ክፈናቀሉን፣ ዓሰርተታት ኣሻሓት ንክሞቱን ጠንቂ ኮይኑ፣ ነታ ሃገር ድማ ኣብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣውዲቅዋ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG