ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ውጽኢት ስጋ ገለ ትካላት ኣሜሪካ ተሓሲማ


መመስርሒ ስጋ ኣመሪካ
መመስርሒ ስጋ ኣመሪካ

ቁጽሪ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ዳግማይ ዝቀላቐለላ ዘሎ ቻይና ፡ ንገለ ውጽኢት ዝተመስረሐ ስጋ ትካላት ኣመሪካ ናብ ሃገራ ካብ ምእታው ከምዝተሓሰመት ተሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰንበት ካብ በይጂንግ ቻይና ዝተመሓላለፈ ውሳነ ከምዝሕብሮ ሰራሕተኛታተን ብቫይረስ ኮሮና መልከፍቲ ናይ ዘጋጠሞም ትካላት መመስርሒ ስጋ ኣመሪካ ናብ ሃገራ ንኸይኣትው ዝኽልክል እዩ።

ታይሰን ዝተባህለ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣርካንሳስ ኣመሪካ ዝርከብ ዝተፈልጠ መመስርሒ ስጋ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሰራሕተኛታቱ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ጋሪ ሚከልሰን ዝተባህለ ኣፈኛ እቲ ትካል ታይሰን መመስርሒ ስጋ ኣመሪካ ንትሕዝቶ ውሳነ ቻይና ይርእይዎ ምህላዎም ብምግላጽ፤ " ኩሎም ከም ዓለማዊ ውድብ ጥዕና WHO፤ ማእከል ምቁጽጻር ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ CDC ፤ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣመሪካ USDA፤ ምምሕዳር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ FDA - ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ዝሰማምዕሉ ረቛሒ እንተሎ ፡ እቲ ቫይረስ ብመግቢ ከምዘይመሓላለፍ እዩ" ክብል ብተወሳኺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ኣጋጣሚታት ንግዳዊ ምስሕሓብ ኣመሪካን ቻይናን ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ክስሕብ ምጽንሑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG