ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ወታሃደራዊ ልምምድ ተጽዕቕ፣ ታይዋን ንዶባታ ዝጥሕስ ስጕምቲ ምዃኑ ተመልክት


ንዑደት ኣፈ-ጉባኤ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ስዒቡ፡ ቻይና ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝኸይድ ጽዑቕ ወታሃደራዊ ታዕሊምን መናውራታትን ኣብ ዶባት ታይዋን ተካዪድ ምህላዋ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን፡ ቻይና 68 ነፈርቲ ኲናትን 13 ድሩዓት መራኽብ ኲናትን ናብ ማያዊ ዶባት ታይዋን ከም ዘጸግዐትን ንልኡላዊ ናጽነት'ታ ሃገር ዝጥሕስ ወስታት ተርኢ ምህላወን ኣመልኪቱ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ቻይና እትገብሮ ዘላ ወታሃደራዊ ልምምድ፡ ገለ ካብቲ ዝተተኰሰ ናይ ርሑቕ ሚሳይላት ብልዕሊ ሰማያት ታይዋን ምሕላፉ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጃፓን መስኪሩ ኣሎ። ቻይና እትገብሮ ዘላ ስጕምታት ንጸጥታ እቲ ዞባ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ’ውን ሚኒስትሪ ምክልኻል ጃፓን ይውስኽ።

ቻይና ንታይዋን ኣካላ ምዃና ደጋጊማ ክትገልጽ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣፈ-ጉባኤ ፔሎሲ ናብታ ደሴት ዝገበረኦ ዑደት ድማ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ካልእ ሃገር ከም ምትእትታው ከም ዝርአ ቻይና ትገልጽ።

XS
SM
MD
LG