ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና፤ ኣብ ዕደና ከሰል ንዝተደብዩ ሰራሕተኛታት ንምውጻእ መስርሕ ይቕጽል


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ቻይና፡ ነቶም ኣብ ዕደና ከሰል ንዝተደብዩ ሰራሕተኛታት ንምውጻእ ይሰርሑ ምህላዎም መንግስታዊ መራኸቢታት እታ ሃገር ኣፍሊጠን። ረቡዕ፡ ኣብ ውሽጢ መንጎሊያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ማዕድን ከሰል፡ ብዝሒ ዝሞቱ ኣርባዕተ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ድማ ቆሲሎም። ከም ሓበሬታ መደበር ቴለቪዥን ቻይና ግን ቁጽሪ ደሃይ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት 49 በጺሑ'ሎ።

ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ቅልጡፍ ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ክግበር ትእዛዝ ሂቦም ኣለዉ። እንተዀነ ሎሚ ሓሙስ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት እቲ ዝተፈተነ ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ከምቲ ዝደለ ከሳልጥ ከም ዘይከኣለ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣብ ቻይና፡ ዕደና ከሰል ካብቶም ኣዝዮም ዝዉተራት ስራሓት ኰይኖም፡ ብተደጋጋሚ ሓደጋታት ግን ህይወት ብዙሓት ሰራሕተኛታት ክወስድ ጸኒሑን ኣሎን።

XS
SM
MD
LG