ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ኣብ ከባቢ ማያት ታይዋን ወታሃደራዊ ልምምድ ተካይድ


ሄሌኮፕተራት ቻይና ኣብ ማያት ታይዋን
ሄሌኮፕተራት ቻይና ኣብ ማያት ታይዋን

ኣፈ-ጉባኤ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ነቲ ኣዛራቢ ኰይኑ ዝቐነየ ናይ ታይዋን ዑደትአን ወዲአን ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጻአን፡ ቻይና ንታይዋን ኣብ ዘዳውብ ማያት 11 ባሊስቲክ ሚሳይል ተኲሳ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ቻይና ኣቐዲሙ፡ ንሽዱሽተ ዞባታት ታይዋን ክጸሉ ዝኽእል፡ ክሳብ ሰንበት ዝዝርጋሕ፡ ወተሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ ምዃና ኣመልኪቱ ነይሩ’ዩ። ጸኒሑ ግን እቲ ልምምድ ካብቲ ፈለማ ዝተነግሮ ዞባታት ወጺኡ ብኹሉ መኣዝናት ንታይዋን ከም ዝኸበባ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

ብመንግስቲ ዝምወል መራኸቢ ቻይና፡ “ዕዉት ወታሃደራዊ ስርሒት” ምፍጻሙ ሎሚ ሓሙስ ጠቒሱ። ገለ ካብቲ ሚሳይላት ካብ ዶባት ታይዋን ኣስታት 20 ኪሎ-ሜተር ጥራይ ርሒቑ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ድሕሪ 25 ዓመታት ናብ ታይዋን ዝበጽሓ ዝለዓለት በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ዝዀና ናንሲ ፐሎሲ፡ ንዑደተን ኣመልኪቱ መንግስቲ ቻይና “ተዃታዂን ዘይሓላፍነታዊን ዘቤታዊ ምትእትታው” ክብል ምስያሙ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG