ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ኣብ ኣፍጋኒስታን ቢልዮናት ዝዋግኡ ወፍሪ ከተካይድ ድልውቲ ከምዝኾነት ሰበ ስልጣን ጣሊባን ኣፍሊጦም

ገለ ካብ መራሕቲ ጣሊባን
ገለ ካብ መራሕቲ ጣሊባን

ቻይና ንሰራሕተኛታታን ንብረታን ድሕነቶም ክተረጋግጸላ እንተኺኢላ፣ ኣብ ኣፍጋኒስታን ቢልዮናት ዶላራት ዝዋግኡ ወፍሪ (ኢንቨስትመንት) ክተዋፍር ከምዝትኽእል ኣፍሊጣ ።

ኣብ ከተማ ካቡል ቃለ ምልልስ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጀሂድ፣ ብዛዕባ ምስ ኣመሪካን ካልኦትን ዝግበር ልዝብ’ውን ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።

ጣሊባን፣ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮን መሰል ንኡሳትን ከም’ቲ ዝኣተዎ ቃል ኣየኽብርን ዘሎ ዝብል ከቢድ ዓለምለኸ ነቀፌታ ወሪድዎም እዩ።

ምምሕዳር ጣሊባን፣ ካብ 6 ክሳብ 11 ክፍሊ ንዝማሃራ ደቂ ኣንስትዮ፣ ናብ ቤ፨ትምህርቲ ንከይወፍራ ሎሚ’ውን ምስ ከልከለ እዩ። ደቂ ተባዕትዮ ግና ንክማሃሩ አፍቂዱ ኣሎ።

ካቢነ ጣሊባን’ውን እንተኾነ ብሙልኦም ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ እዮም።

XS
SM
MD
LG