ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና፡ ኣብታ ሃገር ብዘራእየ ሓድሽ ቫይረስ 17 ሰባት ምሟቶም ሓቢራ


መሓውራት ዜና ቻይና ኣብታ ሃገር ብዝተራእየ ሓድሽ ቫይረስ 17 ሰባት ምሟቶም ገሊጾም ኣለው።

ብመሰረት ዞባዊ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገርን ኮሚሽን ጥዕና ቻይናን እቲ ሞት ዘጋጠመሉ ከባቢ ሁቢ ግዝኣት ምኳኑን ኣብ 13 ክፍለ ግዝኣታት ካልኦት 440 በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ምምዝጋቦም ሓቢሮም ኣለው።

ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ዝለዓለ ደረጃ ምጽፅሑ ዝተገልጸ ነቲ ሕማም ብዝምልከት ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ። እቲ ውድብ እዚ ተርእዮ ህጹጽ ዓለምለኸ ናይ ጥዕና ኩነታት’ዩ ኢሉ ንምእዋጅ’ውን ምምዳቡ ገሊጹ’ሎ።

ሰበ ስልጣን ጥዕና ቻይና ነበርቲ ውሃን ክፍለ ግዝኣት ኣብዚ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝተለኽፉን ዝሞቱን ዝውስኹሉ ዘሎ እዋን ምትእኽካብ ከየዘውትሩ ይመኽሩ።

እቲ ሕማም ኣብ ቤይጂን፡ሻንጋይ፡ጉዋንግዶን ግዝኣታት ከምኡ’ውን ኣብ ጃፓን፡ደቡብ ኮርያ፡ታይላንድ፡ታይዋንን ኣሜሪካን ምርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣሜሪካ ፈላማይ ተርእዩ እቲ ሕማም ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ትማሊ ሶሉስ ምርኣዩ ኣፍሊጣ’ላ።

XS
SM
MD
LG