ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና፡ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ዕዳ ከምተቕልል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣፍሊጦም


ኣብ ቻይና ዑደት የካይዱ ዘለው ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዚ ቺንፒንግ ምዝርራቦም ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፆም።ቻይና ኢትዮጵያ ንዘለዋ ዕዳ ከምተቕልል’ውን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣቶ ተሾመ ቶጋ ገሊፆም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ኣብ ምትሕግጋዝ ስራሓት ትሕተ ቕርጺ፣ንግዲ፣ቱሪዝምን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ምዝታዮም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ፕረስ ሰክሬታሪ ኣቶ ንጉስ ጥላሁን ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ቻይናን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትሕብባር ልምዓት ዝገለፁ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን CRCC ዝተባህለ ኩባኒያ መስመር መንገዲ ጅቡቲ- ኣዲስ ኣበባ ብልቓሕ ምስርሑ ኣዘኻኺሮም።ነቲ ዕዳ መኽፈሊ ግዜ ድማ ተናዊሑ’ሎ ኢሎም።

ዑደት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቻይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:41 0:00

“ምኽፋል ዕዳ ክጅምር ዝነበሮ ኣብዚ ዓመት እዚ እዩ።ሎሚ ብዘሎ ቁጠባዊ ዝሕታለ ግን መንግስቲ ቻይና ዕዳ ናይ መኽፈሊ ግዜ ንምናውሕ ተሰማሚዑ’ሎ።በዚ መሰረት ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ክኽፈል ዝነበሮ ልቓሕ ናብ 30 ዓመት ክናዋሕ ኣብ ስምምዕ ተብፂሑ’ሎ።”

እዚ ስምምዕ እዚ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምሕያልን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዝሕታል ቁጠባ ንምንቕቓሕ ኣበርኽቶ ከምዝህልዎን ገሊፆም።

ኩባንያታት ቻይና ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሸገር ልምዓት ፕሮጀክት ንምስታፍ ድልየተን ምግላፀን ወሲኾም ሓቢሮም።

“ሰብ ሃብቲ ቻይና ኣብዝተፈላለዩ ዓውድታት ከምዝዋፈሩን ናይታ ሃገር መንግስቲ እውን ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ንምሕያልንን ንምድጋፍን ሰብ ሃብቲ ይኹን ትካላት ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ወፍሪ ከካይዱ ናይ ባዕሉ ተራ ከምዝፃወት ሰፊሕ ልዝብ ተኻይዱ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ።”

ቀፃሊ ወለዶ ኸፋሊ ዕዳ ከይኸውን፡ ሓገዝ ይኹን ልቓሕ ብጥንቃቐ ንክትሓዝ ኣብቲ ዝርርብ ከምዝተልዓለን ብሃገር ደረጃ እውን ቀዳምነት ከምዘድልዮን ኣቶ ንጉሱ ወሲኾም ገሊፆም።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ቻይና ተኣሲሮም ዝርከቡ ዜጋታትን ጉዳዮም ኣብ ምፅራይ ዘለውን ዜጋታት ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ኣደንዛዚ ዕፅ ብምዝውዋር ተጠርጢራ ኣብ ማእሰርቲ እትርከብ ኢንጅነር ናዝራዊት ኣበራ ብዝምልከት ኣብ ጎናዊ ርክብ ከምዝተዓለን ጉዳዮም ብናይ ቻይና ሕጊ ብኣግባቡ ክርኣይን መዕለቢ ከምዝረክብን ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣቶ ተሾመ ቶጋ ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ናይ ቻይና ፕረዚዳንት ዚ ቺንፒንግ ኣብዝተዘራረብሉ እዋን ኣብ ጉዳያት ልቓሕ፣ልምዓትን ተራድኦን ከምዝተዘተየሉ ሓቢሮም።

“ቀዳማይ ነገር እቲ ዕዳ ዳግመ ምትዕርራይ ተጌርሉ’ሎ።ስርዓቱ ቀይሮምዎ ኣለው።ቅድሚ ሎሚ ናይ ኮመርሻል ልቓሕ ዝነበረ ናብ ኮንሰሽናል ልቓሕ ተቐይሩ’ሎ።ናይ እፎይታ ግዜን ዝተናውሐ ናይ መኽፈሊ ግዜን ክህልዎ እዩ።”

ልዕሊ 300 ሚሊዮን ናይ ቻይና ገንዘብ ብምትሕብባር ካልእ 100 ሚሊዮን ናይ ቻይና ገንዘብ ድማ ብረድኤት ከምዘበርከተት ኣምባሳደር ተሾመ ገሊፆም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ፅባሕ ኣብ ዝጅምርን መራሕትን ተወከልትን ልዕሊ 100 ሃገራት ኣብ ዝርከብሉ ጉባኤ መድረኽ መቐነትን ጎደናን ቻይና/Belt and Road Initiative Forum/ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መደረ ከምዘስምዑ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዋናነት ማእኸሉ ኣብ ህንፀት መሰረት ልምዓትን ዓውዲታት ንግዲ ወፃኢን ዝገበረ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ቻይናን ረብሕኡ ብምጥቓስ ዝንእድዎ ኣለው፤ብዘይተመጣጠነ ናይ ወፃኢ ንግዲን ዓብይ መጠን ዘለዎ ልቓሕን ዝተዓጀበ ምዃኑ ድማ ዝነቕፉዎ ኣለው።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ማእኸል መፅናዕቲ ቻይና-ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 13 ቢሊዮን ዶላር ምልቃሓን ካብ ኣንጎላ ቀፂላ ኣብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት ተለቃሒት ምዃናን ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG