ቻይና ኣብ ዋና ከተማ ቤጂንግ ዝተራእየ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ሎሚ ረቡዕ እገዳታት ኣንቢራ።ካብ ዝተወስዱ ስጉምትታት ምስራዝ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ በረራታት ውሽጢ ዓዲ፣ ማሕበራዊ ምፍንታት ብጥብቂ ምትግባርን ናብ ገሊኡ ክፋል እታ ከተማ ዝኣትው ሰባት ሙቐቶም ምልካዕን ምምዝጋብን ይርከቡዎም።
ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ጀሚሩ ምስ ሓደ ናይ ጃምላዊ ናይ መግቢ መሸጢ ብዝተኣሳሰር ብውሑዱ 137 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺቡዎም ኣለው።
ብኻልእ ዜና ሰበስልጣን ጥዕና ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ክብረወሰን ዝሰበረ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሓዙ ምምዝጋቦም ኣፍሊጦም።ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት 34,918 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።ኣብታ ሃገር ዛጊት ልዕሊ 900,000 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው። ንኣሜሪካ ስዒባ ብብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ብራዚል ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ’ላ።
ናይ ብራዚል ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ንክብደት ናይቲ ቫይረስ ዕሽሽ ብምባል ንግዲ ዳግም ክኸፈት ይፅውዑ ኣለው።
ኣብ ፔሩ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 7,000 ምብፅሑ ክረጋገፅ ከሎ ናይ ሆንዱራስ ፕረዚደንት ጁዋን ኦርላንዶ ሀርናንደዝ ድማ ብኮቪድ-19 ምልካፎም ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጦም።
ብመሰረት ጸብጻብ ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 2.1 ሚሊዮን በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ኣስታት 117,000 ድማ ምሟቶም ተረጋጊፁ ኣሎ ።