ዋሽንግተን —
ቻይና ንቻይናዊ- ካናዳዊ ቢልየነር ን13 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዳ።
ሓደ ቤት ፍርዲ ሻንጋይ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘሕለፎ ብይን፡ ቻይናዊ ካናዳዊ ቢልየነር ጅህዋ ሺንህዋ 13 ዓመት ማእሰርቲ፡ ኩባንይኡ ድማ 8.1 ቢልየን ዶላር ክትቅጻዕ ፈሪዱ`ሎ።
ንሱን ካምፓኒኡን ኣብ ዘይሕጋዊ ምድንጋር ገንዘብ ተዋፊርኩም ዝብል ክሲ`ዩ ናብ`ዚ መቕጻዕቲ ኣብጺሕዎም። ትውልደ ቻይና ዝኾነ ካናዳዊ ሺንህዋ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ከይተራእየ ድሕሪ ምጽናሕ`ዩ ሎሚ ዝርኣይ ዘሎ።
ንሱ ምስ ኮምኒስታዊ ፓርቲ ቻይና ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዝነበሮ ይግለጽ።