ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና፥ ንምርመራ ኮርና ቫይረስ ዘገልግል መሳርሒ ናብ ኣፍሪቃ ከምትልእኽ ኣፍሊጣ


ቻይና፥ ንምርመራ ኮርና ቫይረስ ዘገልግል መሳርሒ ናብ ኣፍሪቃ ከምትልእኽ ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:51 0:00

ቻይና፥ ንምርመራ ኮርና ቫይረስ ዘገልግል መሳርሒ ናብ ኣፍሪቃ ከምትልእኽ ኣፍሊጣ

ቻይና: ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ኣስታት 10,000 ናይ ምርመራ መሳርሒ ናብታ ኣህጉር ከምትልእኽ ሓላፊ ምክልኻልን ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጦም ።

“ክሳብ ሕጂ ኣስታት 2,000 ናይ ኮሮና ቫይረስ መመርመሪ መሳርሒታት ካብ ቻይና ተረኺብና ኣለና ። እቲ ሕማም ናብ ዝተራእየለን ሃገራት ዘርጊሕናዮ ኣለና ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ተወሳኺ 10,000 መሳርሒታት ካብ ቻይና ከምንርከብ ተስፋ ንገብር”ክብሉ ዳይሬክተር ምክልካልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ኒካሳንጎ ሓቢሮም።

ዝርግሓ’ቲ ቫይረስ ካብ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳን ኤስያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝሑል ምኳኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣስታት 800 ሰባት ኣብ34 ሃገራት ምርኻቡ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG