ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ንሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ዝዓበየት ስግኣት'ያ


ዳይሬክተር ኤፍቢ ኣይ
ዳይሬክተር ኤፍቢ ኣይ

ቻይና ንኣገዳሲ ቁጠባን ሃገራዊ ድሕነትን ኣሜሪካ ስግኣት እያ ክብሉ ዳይሬክተር ፌደራል ቢሮ ምርመራ FBI ኣብ ሃድሰን ኢንስቲትዩት ኣብዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም።

ንሶም ኮሚንስት ፓርቲ ቻይና ኣብ ተደራረብቲ ጉዳያት ተፀሚዱ ኣሎ:ብቁጠባን ቴክኖሊጂን መራሒ ዓለም ንክኸውን ናይ ወለዶ ወፍሪ የካይድ ኣሎ ኢሎም።

“እቲ ቻይና ተካይዶ ዘላ ግጥም ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ብቅቡል ምህዞ፣ብሚዛናውን ሕጋውን ውድድር ኣይኮነን፤ንዜጋታቶም ናይ ምሕሳብ፣ምዝራብን ናይ ምምሃዝ ነፃነት ከይሃቡ እዩ።ኣብ ክንድኡ ቻይና ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ናይ ዓለም እንኮ ሓያል ሃገር ንምኳን መንግስታዊ ፃዕሪ እያ ተካይድ ዘላ።”

ንሶም ወሲኾም እዞም መንገድታት እዚኦም ብኢኮኖሚያዊ ስለያ፣ ዳታ ብምፍርፋር፣ ንምህዞታት ብምስራቕ ፣ ብጉቦ፣ሽም ብምፅላምን ብናይ ኣስገዳድ ፈተነታትን እዩ ኢሎም ።

ንፖሊስታት መንግስትናን ንርእይቶ ህዝቢሃገርናን ብምዝባዕ ኣብ መስርሕ ዴሞክራሲ ሃገርናን ክብርታትናን እምነት ክሽርሽር ኣብ ምስራሕ እዮም ተፀሚዶም።

ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ረይ እዞም ተንኮላትን ኣጨነቕቲ ተግባራትን ስርሒት ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና እዮም ኢሎም።

“እዚ ብዛዕባ ህዝቢ ቻይና ኣይኮነን፤እዚ ናይ ቻይናዊያን ኣሜሪካዊያን ጉዳይ እውን ኣይኮነን።ሰባት በረኸት ሓርነት ንባዕሎምን ንስድርኦምን ከውሕሱ ንወለዶታት ካብ ቻይና ናብ ኣሜሪካ ክጉዓዙ ፀኒሖም እዮም።ብናታቶም ኣበርክቶ ሕብረተሰብና ዝበለፀ ክኸውን ገይሩ እዩ።”

መንግስቲ ቻይናን ኮሚንስት ፓርትን ብድፍረት ነቲ ንቡርን ልዕልና ሕጊ ጥሒሶም ኣለው።ዳይረክተር ረይ ብዋና ፀሓፊ ሺ ጂንግፒንግ ዝተኣታተወ ‘’Fox Hunt’’ ሃደና ውዃሪያ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ፕሮግራም ፀረ ብልሽውና ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ቻይናዊያን ዒላማ ዝገብረ እዩ ኢሎም።

‘’ሰፊሕ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ቻይና ንዘቃልዑ ፖለቲካዊ ተወዳደርቲ፣ ተቓወምትን ነቐፍትን ዝዓለመ እዩ’’ኢሎም።ኣብ ሓደ ኣብነት ቻይና ንሓደ ሰብ ናብ ቻይና ክምለስ ወይ ድማ ንርእሱ ከጥፍአ ኣጠንቂቓ፤ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኣባላት ስድራ እውን ከም ትሓጃ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ ።

ዳይሬክተር ረይ ተግባራት ቻይና ጭቡጥ ግብረ መልሲ የድልዮ’ ዮ ኢሎም።

‘’ነዚ ስግኣት እዚ ምግጣም ማለት ምስ ቻይና ርክብ የብልናን ማለት ኣይኮነን: ቻይና ናይ ገበን ሕግታትናን ንዓለምለኻዊ ስሩዕ መስርሕ ክትጥሕስ ከላ ግን ኣይክንፃወሮን ኢና።FBIን ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካምስ ዝሰርሑን መሻርኽትናን ብምዃንን ብሓገዝን ትኩርነትን ህዝቢ ኣሜሪካን ንቻይና ተሓታቲት ክንገብራ ኢና’’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG